ሰላም! ብመጀመርታ ናብ ቅኒተ-ክሪፕቶ ኣካዳሚ እንቛዕ ደሓን መጻእካ ወይ ድማ እንቛዕ ደሓን መጻእኪ። ብምቕጻል ኣብ ቅኒተ-ክሪፕቶ ኣካዳሚ ምስ እንመጽእ እንታይ ኢየ ክመሃር ንዝብል ሕቶ መልሱ ንምርካብ ነዛ ሓጻር ቅዳሕ ምስማዕ ይከኣል። ንተወሳኪ ሓበሬታ፡ ኣብቲ "ተመዝገብ" ዝብል ጥብቆ ብምጥዋቕ ተወከሱና።
ነዚ ስልጠና ብምውሳድኩም እትረኽብዎም ጥቕምታት!
እዚ ስልጠና ድሕሪ ምውሳድኩም፡ መሰራታዊ ፍልጠት ኣብ ክሪፕቶካራንሲ ከምኡ'ውን ብሎክቸይን ቴክኖሎጂ (Blockchain technology) ክህልወኩም እዩ። ብምቅጻል ሓፈሻዊ መረዳእታ ብዛዕባ ታሪኽ፡ ገንዘብ፡ ሃብቲ፡ ቁጠባ፡ ዝቕባበ ከምኡ`ውን ወፍሪ (investment) ክህልወኩም እዩ። ተወሳኺ ተግባራዊ ብዝኾነ መንገዲ፡ ከመይ ጌርኩም ከም እተውፍሩ ክትማሃሩ ኢኹም። ነቲ ኣነ ከውፍር ድሉው ኣለኹ፡ ንዝበለና ከኣ ውልቃዊ ሓገዝ ብምግባር ብዝወሓሰ መንገዲ ወፍሪ ክገብር ንሕግዞ።
እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ (Psychology) ስልጠና`ውን ክዋሃበኩም እዩ። እዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ *ስነ-ልቦናዊ* ስልጠና ከኣ ስርዓተ-ቁጠባ ከመይ ይሰርሕን፡ ኣብ ስነ-ኣኣምሮኣዊ ጥዕናና ኮነ ርዲኢትና ዘለዎ ጽልዋታት ክንርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል ብሉጽ ትምህርቲ እዩ። እዚ ማለት ንእትህብዎ ውሳኔታት ኣብ ወፍሪ ከምኡ'ውን ስሚዒታውን መንፈሳውን ምርግጋእ ክትፈጥሩ ክሕግዘኩም ዝኽእል፡ መጽናዕቲ መሰረት ዝገበረ ኣገዳሲ ክፋል ናዚ ትምህርቲ እዩ። ከተውፍሩ ከለኹም ከኣ ካብ ስሚዒት ወጺኹም ብርትዒ ክትውስኑ ከኽእለኩም ኢዩ።
ብሕጽር ዝበለ፡ ብተግባራዊ ልምምድ፡ መጽናዕትታት መሰረት ዝገበረ፡ ብትብዓትን ብምስትውዓልን ውሳኔታት ወፍሪ (investment) ንኽትገብሩ ክትበቁዑ ኢኹም።
About me/ ብዛዕባይ
ኣነ ዳኒኤል ኣብራሃም ይባሃል። ኣብ ወርሒ ግንቦት 2025 ብቀዳመይ ዲግሪ ናይ Psychology ተመሪቀ። ዝተማሃርኩሉ ዩኒቨርስቲ NTNU ኮይኑ ኣብ ኖርወይ ዝዓበየ እዩ። ሕልመይን ባህገይን ንዝተማሃርክዎ ናብ ህዝበይ ብኽርድእዎ ዝኽእሉ ቋንቋ ብምምሕልላፍ፡ ብዓቕመይ ለውጢ ንምምጻእ እዩ። እንበኣር`ከስ እቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክፋል ናይዚ ስልጠና፡ ኣነ ክምህሮ ኢየ።
ኣብ ወፍሪ ኣድህቦ ካብ ዝገበር ብዙሕ ዓመታት ኣለኒ። ግቡእ ስልጠና ወሲደ ጽቡቅ ርዲኢት ከሕድር ኪኢለ። እዚ ርዲኢት ባህላውን ዲጂታላውን (ብሎክችይን ቴክኖሎጂ) ወፍሪ የጠቓልል።
About me/ ብዛዕባይ
ኣማን ስብሃትለኣብ ይበሃል። ኣብ ብሎክቸይን ቴክኖሎጂ ካብ 2017 ኣድህቦ ክገብር ጀሚረ። ኣብ መወዳእታ 2020 ከኣ ብስነ-ስርዓት ስልጠና ወሲደ፡ ብዝወሓሰ መንገዲ ከውፍር ኪኢለ። ኣብ ነብሰይ ወፍሪ እንዳ ገበርኩ፡ ነብሰይ ከዕብን ንብዙሓት ብቀረባ ዝፈልጦም ክሕግዝን ክምህርን ጸኒሐ። ኣብ ዝተፈላለየ ወፍርታት ከኣ ብዙሕ ተሞኩሮታት ክድልብ ኪኢለ።
ስለዚ ነዚ ናይ ልዕሊ 5 ዓመት ተሞኩሮይ ናብ ህዝበይ ከባጽሖ ኣለኒ ብዝብል ዕላማ ከኣ ምስ መሳርሕተይ ናይ ክሪፕቶካረንስን ስነ-ኣእምሮን ኣወሃሂድና ቅኒተ-ክሪፕቶ ኣካዳሚ ዝብል ክላስ ከፊትና እምህር ኣለኹ።
Resources
coming soon
Student sites
coming soon
School forms
coming soon